

እንኳዕ ን High Point Orchard ብደሓን መጻእኩም
High Point Orchard ናይ ሲያትል ዕቤት ብምክባር ከምኡ‘ውን ንህና ምስ መሬትን፣ መግቢን፣ ማሕበረሰብን ዘሎና ርክብ ድማ የዘኻኽረና እዩ። እዚኦም ኣእዋም ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ንህዝቢ ጥቕሚን፣ እንክብካበን፣ ከም‘ኡውን ንተሓጎስ ኺውዕል ክኸውን ዚክእል ልዕሊ 500 ፍረታት ዚፈሪ
ኣእዋም ያራኽቡ እዮም። እቲ በዅሪ ኣእዋም ናይ እዚ ግራት ፍረታት ኪዊ፣ በለስ፣ ቱፋሕ፣ ቼሪ፣ ፐርሲሞን፣ ሉል የጠቓልል እዩ። እቲኦም ኣእዋም ውህበት ዚተዋህቡ ካብ Swansons Nursery, West Seattle Nursery፣ ከም’ኡውን ካብ ኣዕሩኻት Piper’s Orchard እዮም።
ኣብ ዙርያ ነፍሲ ወከፍ ፍረታት ዚፈሪ ኦም ዚርከብ መመላእታ ኣትክልቲ ሓደ ኽፋል መስርሕ ምዝራእ
ደቀባት ክከውን እንተሎ ንታሪኽ እዛ መሬት እዚኣ ኣኽብሮት ዚህብን ሓፈሻዊ ጥዕና ኦምን ፍረ ኦም ዜደንፍዕን እዩ። እዚ ልምዲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ፐርማካልቸር ዝበሃል ኮይኑ ነቶም ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦም ኣእዋም ዝጸለዎም ለበዳ ክቕንሶ ይኽእል እዩ።
ከም መንፈስ ህዝባዊ ኣእዋም ሲያትል፣ ካብዚ ኣእዋም እዚ ዚርከብ ፍረ ንዅሎም በጻሕትን ተቐማጦን ክፉት እዩ። ብክረትካ ብደምቢ ዝበሰለ ምረጽ እሞ፣ ምሳና ሓቢርካ ነቲ ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም ንኺዓብን ንኺስስንን ሓግዞ።
“ምድሪ ናይ ሰብ ኣይኰነትን፣ ሰብ ናይ ምድሪ እዩ። እዚ ኸኣ ኵሉ ነገራት ልክዕ ከምቲ ንሓንቲ ስድራ ቤት ሓድነት ከም ዚህልዋ ዚገብር ደም እተተሓሓዘ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኵሉ ነገራት እተተሓሓዘ እዩ።” – ናይ ከተማ ሲያትል ሓለቓ Si’ahl፣ Namesake።
ንናይ ምድሪ መዓልቲ 2021፣ City Fruit፣ Seattle Housing Authority፣ Neighborhood House፣ ከም’ኡውንኡውን Open Space Association of High Point ነዚ ማሕበረሰብ ምእንቲ ኽሕጐሰሉ ኢሎም ሓድሽ ህዝባዊ ግራት ንምስራሕ ተሓባቢሮም እዮም።
ህዝባዊ ኣእዋም ኣብ ሲያትል ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ኣብ 1890 ታት ነቲ ናይ ስድራ ቤቱ እንዳ ባኒ ንምህጋዝ፣ A.W. Piper ቱፋሕን፣ ቸሪን፣ ሉልን ኣእዋም ኣብዚ ግዜ Broadview ተኽለ። እዚ ኣእዋም እዚ ጸኒሑ ኣብ Carkeek Park Piper’s Orchard ብምባሓል ተፈላጥነት ረኸበ። ከም Amy Yee ኣብ ውሽጢ Mount Baker፣ ዚርከቡ ካልእ ፍረታት ዘፍሪዩ ኣእዋም ኣብ 1940 ታት ኣእዋም ከም ህዝባዊ ግራት ፍረታት ኮይኑ ቕድሚ ምፍላጡ በብውልቂ ኺዓብን ኪከናኸንን እዩ ዚምንጨወ ነይሩ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ፍረታት ዚፈሪዩ ኣእዋም፣ ከም Picardo ኣብ Ravennaዘለዉ፣ ድሕሪ 1973 ህዝባዊ ስፍራ ኣታኽልትን ግራት ፍረታትን ኪቐርጽ ምስ ጀመረ እዮም ጀሚሮም። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፣ Linden Park Orchard ኣብ Phinney Ridge ዚርከብ ከም’ኡውንኡውን Angel Morgan ኣብ Brighton ዚርከብ እንተላይ ደይመደይ ኢሉ ኻልእ ህዝባዊ ግራት ፍረታት ኪፈሪ ጸኒሑ እዩ።
High Point Orchard ናይ ሲያትል ዕቤት ብምክባር ከምኡ‘ውን ንህና ምስ መሬትን፣ መግቢን፣ ማሕበረሰብን ዘሎና ርክብ ድማ የዘኻኽረና እዩ። ነዚ ወሰኽ እዚ ኣብ ህዝባዊ ኣእዋም ብምትካል፣ ብፍላይ ነቶም ነዚ ኸባቢ እዚ መንበሪ ኢሎም ዚጽውዕዎ ብዙሓት ተቐማጦ ኸገልግሉ ዚክዕሉ፣ ኣብ ማሕበረሰብና ዝያዳ ኣእዋም ኪህልወና ኢና እንደሊ።
ከም ኪዊ፣ በለስ፣ ቱፋሕ፣ ኪሪ፣ ፐርሲሞን፣ ሉል፣ ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ፍረታት ዘፍርዩ ኣእዋም ካብ Swansons Nursery ከም’ኡውንኡውን West Seattle Nursery ዚተዋሕቡ ኮይኖም ኣብ ስግር እቲ መናፈሻ ይርከቡ እዮም። እዚ ቦታ እዚ ብዙሕ ጠቐመታ ዘለዎ ቦታን ኣብ ከባቢ እቲ አቐዲሙ እተመስረተ ናይ P-Patch ስፍራ ኣታኽልትን ኣፍላግን ስለ ዝነበረ ማእከል እቲ ግራት ኪኸውን ተመርጸ። City Fruit ደቀባት ንታሪኽ እዛ መሬት እዚኣ ኣኽብሮት ንምሃብ ከም‘ኡውን ሓፈሻዊ ጥዕናን ፍረታትን ኦም ንምድንፋዕ ኣብ ዙርያ ነፍሲ ወከፍ ፍረታት መመላእታ ኣትክልቲ ናይ ምውሳኽ ልምዲ ጀመሩ። እዚ መብዛሕትዑ ግዘ ፐርማካልቸር፣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተሞክሮ፣ ኣብ ካልእ ህዝባዊ ግራት ፍረታትን ስፍራ ኣታኽልትን ብዕዉት መገዲ ተተግቢሩ እዩ፣ Beacon Food Forestን፣ ንህና ነቶም ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዚወሃቦም ኣእዋም ንለበዳ ብምቅላዕ ዝጸለዎም ንምክልካል ከም ዚሕግዝ ንኣምን ኢና።
ከም መንፈስ ህዝባዊ ኣእዋም ሲያትል፣ ካብዚ ኣእዋም እዚ ዚርከብ ፍረ ንዅሎም በጻሕትን ተቐማጦን ክፉት እዩ። ብክረትካ ብደምቢ ዝበሰለ ምረጽ እሞ፣ ምሳና ሓቢርካ ነቲ ፍረታት ዚፈሪ ኣእዋም ንኺዓብን ንኺስስንን ሓግዞ።
ኣርባዕቲኦም ኣብዚ 130+ ዓመት ኪዕድሚኡ ክኸውን ኻብ ዚኽእል ሱር እተሰርሑ Belmont ናይ ቱፋሕ ኣእዋም ተኽሊ Piper’s Orchard – ነተን ነዚ ፕሮጀክት እዚ ዚተኣከቡ ኣርባዕተ ውድባት ወኪለን ኣብ መጻኢ ነዚ ግራት እዚ ኣብ ምምሕዳር ኪሕግዛኦ ቘሪጸን እየን። በዘን ኣእዋም እዚኣተን ከም’ኡውን ብምትሕብባርና፣ ንታሪኽ ህዝባዊ ኣእዋም ከም ጽምብል መሬትን ማሕበረሰብን እዚ ኣእዋም እዚ ኣብ ዚቕጽል ዘመን ኣባላት ማሕበረሰብን ተቐማጦን ምእንቲ ኺሕጐሱ ፍረ ኸም ዜፍሪ ተስፋ ንገብረሉ ኢና።